ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ጸብጻብ ምክልባት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

ናይ ሓደጋ ግዘ ጃኬት Image copyright AFP

ብቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ናብ የመን ዝጓዓዙ ኢትዮጵያውያን፡ ከቢድ ምክልባትን ምዝመዛን የጋጥሞም ኣሎ ክብል ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ሂዩማን ራይትስ ዎች ገሊጹ።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኣተው'ውን ዝኸፍአ መከራ ከም ዘጋጥሞምን ብግዴታ ናብ ሃገሮም ከምዝጥረዙን እቲ ትካል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

ሰበ ስልጣን የመን፣ ስዑዲ ኮነ ኢትዮጵያ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝወሰዱዎ ስጉምቲ ዝምስገን ኣይኮነን ክብል ከኣ ነቒፉ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ብስእነት ስራሕ፣ ድርቅን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ካብ ሃገሮም ዝወጽኡ ኢትዮጵያውያን ብዙሓት'ዮም ይብል እቲ መግለጺ።

ስደተኛታት፡ ቀይሕ ባሕሪ ብጀልባ ኣቋሪጾም ብየመን ናብ ስዑዲ ክኣትው ከም ዘንቅሉ ይሕብር። መብዛሕትኦም ሕጋዊ ወረቐት ከይሓዙ ናብ ጅዳ ከም ዝኣትው'ውን ይገልጽ።

"ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ክዝረበሎም ዘይኽእል ኣዝዮም ዘደንግጹ ኩነታት ሓሊፎም'ዮም ናብ ስዑዲ ክኣትው ዝፍትኑ። ኣብ ባሕሪ ምጥሓል ኢሉ'ውን ክትሓስቦም ዘይትኽእል መከራን ስቓይን'ዮም ዘአንግዱ" ይብል ተመራማሪ ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ ፌሊክስ ሆርን።

"ዓለማዊ ደገፍ ዘለዎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ዝኾነ ዓይነት ዓለባ'ውን ከይደረቡ ካብ ዓዶም ንዝወጽኡ ሰባት ክሕግዝ ይግባእ"

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ 12 ካብ ስዑዲ ዝተመለሱ ኢትዮጵያውያን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ረኺቡ ኣዘራሪቡዎም'ዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመትን መንፈቕን መንግስቲ ስዑዲ፡ ዘይሕጋዊ ዝበሎም ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣብዝሰጎጎሉ እዋን፡ 500 ሽሕ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ምንባሮም ዓለማዊ ትካል ስደተኛታት የመልክት።

ካብ ግንቦት 2009 - መጋቢት 2011 ኣብ ዘሎ ግዘ፡ 260 ሽሕ ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ካብ ስዑዲ ተገዲዶም ክወጽኡ ከም ዝተገበረ ይግመት። እዚ ሕጂ'ውን ከም ዝቐጸለ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልጽ።

ኢትዮጵያን ዝመርጹዎም መገዲታት መስመር ጅቡቲ፣ ሶማሊላንድ፣ ፑንትላንድ፣ የመንን ስዑዲ ዓረብን ዘካልል ኮይኑ፡ ዘይሕጋዊ ኣስገርትን ደለልትን፡ ንስደተኛታት ብዝተፈላለየ መገዲ ብምፍርራሕ ገንዘብ ከልእኹ ከም ዝገብሩ እቲ ተሓላቂ መሰላት ይገልጽ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ካብ ዘዛረቦም ተመለስቲ ስደተኛታት እቲ ሓደ "ኣብታ ጀልባ 180 ሰባት ነይርና፤ እቶም 25 ከምዝሞቱ ይዝክር" ኢሉ።

"እቲ ማዕበል የንከላብተና ነይሩ። እታ ጀልባ ክትጥሕል እያ ብዝብል እቶም ደለልቲ ናብቲ ባሕሪ ይስንድውና ነይሮም። ዓይንና እናርኣና 25 ሰባት ናብቲ ባሕሪ ተደርቢዮም" ኢሉ።

ብዘይሕጋዊ መገዲ ዘስግሩ ኢትዮጵያውያን'ውን ከም ዝርከቡዎም ዝዛረቡ ተመለስቲ፡ ብዙሓት ስድራ ስደተኛታት መሬት ወይ ከብቲ ብምሻጥ ገንዘብ ንደለልቲ ከም ዝልእኹ ይዛረቡ።

ተወሳኺ ዛንታ